
ኣብ ልዕሊ ንፁሃን ዝካየድ ናይ ኣየር ድብዳብ፥ ውድቀት ናይዚ ፋሽሽት ጉጀለ ካብ ምቅልጣፍ ሓሊፉ ኣብ መሬት ንዘሎ ስዕረቱ ክቕይሮ ኣይኽእልን!~~~~~~~~
እዞም ፋሽሽታውያን ኣብቲ ዝሓለፈ ሰሙን ንኣዋሪሕ ተዳልዮም ዘካየድዎ ተደጋጋሚ ፈተነታት፣ ሙሉእ ብሙሉእ ዘምከነ ፅኑዕ ህዝባዊ ሰራዊትና፣ ብምቕፃል ናብ ፀረ መጥቃዕቲ ብምስግጋር ኣብ ልዕሊ ፀላኢ ኣዝዩ ከቢድ ኪሳራ ኣብፂሑ’ዩ። ሓየት ህዝቢ ሰራዊትና ኣብዚ ሰሙን ዘመገቦም ድሙቓት ዓወታት ድማ ብኹለመዳይ መቐይሮ ነጥቢ ተገይሩ ዝውሰድ’ዩ። “እንዳ ዕኮት ኣይትተንኪ፣ ደሓር ከይትበኪ” ከም ዝበሃል፣ ሕዚ ፀላእቲ እታ መሸንቆቆ ናብ ክሳዶም ትዘውር ከምዘላ ብዘየማትእ ደረጃ ምርዳእ ጀሚሮም ኣለው። እዞም ብማእለያ ዘይብሎም ወንጀላት ዝተጨማለቑ ፋሽሽት ጉጀለ፣ ብሓሶትን ምድንጋርን ካብዚ ንላዕሊ ክቕፅሉ ከምዘይኽእሉ እውን ግልፂ እናኾነሎም መፂኡ ኣሎ።
በዚ መሰረት ኣብዚ ሰዓት’ዚ ኣይንቕድሚት፣ ኣይንድሕሪት ኮይንዎም፣ ዝገብርዎን ዝሓስብዎን ጠፊእዎም ኣብ ናይ መወዳእታ ዓቕሊ ፅበት ብርኪ በፂሖም ኣለው። እዚ ሕዚ እንሪኦ ዘለና፣ ንፁሃን ዜጋታት ዒላማ ዝገበረ ኣየር ደብዳባት እውን ፋሽሽታውያን ኣብታ ናይ መወዳእታ ሰዓት ዘካይድዎ ልሙድ ተግባርን መለለዪ ባህሪኦም ምዃኑ ዘርኢ ፍፃመ’ዩ።
ይኹን’ምበር እዚ ብፋሽሽታውያን ኣካላት ዝካየድ ዘሎ ናይ ቀቢፀ ተስፋ ግፍዕታት፣ ዝያዳ ቃልስና ክሕይል፡ ናይ ውድቀቶም ጊዜ ከሳልጥ እተዘይኮይኑ፣ ንስዕረቶም ክቕይሮ
ኣይኽእልን። ህዝብና እውን እዚ ኣብ ግምት ብምእታው ግቡእ ጥንቃቐታት ክገብር የዘኻኽር። ሃለዋትናን ድሕንነትናን ብቕልፅምና ! ትግራይ ትስዕር! ሰላም!
©መልእኽቲ ፕረዚደንት ዶክተር ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል