
ሰበር ዜና
••••••••••
ፀላኢ ንተኸታታሊ 4 መዓልትታት ብኹሉ ኣንፈት ሰፊሕ ናይ ነፈርቲ፣ ድሮን፣ ከቢድ ብረት ደብዳብን ውሱን ናይ ኣጋር ሰራዊት ምንቅስቓስን እናገበረ ድሕሪ ምቕናይ ሎሚ 01 ጥቅምቲ 2014 ዓ.ም ወጋሕታ ብኹሉ ኣንፈት ማለት ገርገራ፣ ወገል ጤና፣ ወርጌሳ፣ ብሓደ ከባቢ ዓፋር ሰፊሕ መጥቃዕቲ ጀሚሩ ኣሎ።
ፀላኢ ጀሚርዎ ዘሎ መጥቃዕቲ በዝሒ ሰብ ኣኽቲቱን ኣለኒ ዝብሎ ናይ ምድርን ሰማይን ዓቕሙ ተጠቒሙ እንተኾይኑሉ ኣብ ሓፂር ጊዜ ናብ ትግራይ ተመሊሱ ብርሰት ህዝቢ ትግራይ ንመወዳእታ ጊዜ ክፍፅም፣እንተዘይኮይኑሉ ድማ እቲ ዓውደ ኲናት ናብ ትግራይ ክመልሶ ሓሲቡ ዘካይዶ ዘሎ ወፍሪ እዩ።
ውልቀ መላኺ ፋሽሽቲ ኣብይ ቅድም ኢሉ እውን ንመድመቒ ንግስንኡ ዝኸውን ዓወት ንኽረክብ ሰፊሕ ወፍሪ ክገብር ፀኒሑ እዩ። እንተኾነ ግና ጅግና ሰራዊትና ብዝወሰዶን ክገብሮ ዝፀንሐን ዕዉት ፀረ መጥቃዕቲ ፀላኢ ኣብ ዘለዎ ተኾርምዩ ክፀንሕ ገይርዎ እዩ።
ድሕሪ እዚ እውን ተመሳሳሊ ወፍሪ ንኽገብር ምድላው ይገብር ከምዝፀንሐ ብዙሕ ዝተኸወለ ተግባር ኣይነበረን። ጅግና ሰራዊትና ንዚ ብጥንቃቐ እናተኸታተለ ፀኒሑ እዩ። ብምዃኑ ፀላኢ ጀሚሩዎ ዘሎ መጥቃዕቲ ብዘተኣማምን ብርኪ ንምምካት ኣብ ዝኽእለሉ ምሉእ ብቕዓትን ድልውነትን ኣሎ። ውፅኢቱ እውን ካብቲ ሕሉፍ ብዝበለፀ ስዕረቶም ክሰፍሕን ክዓሙቕን ካብ ምዃን ሓሊፉ ካሊእ ዘምፅኦ ሓድሽ ነገር ፍፁም ከምዘይህሉ ወታሃደራዊ ኮማንድ ሰራዊት ትግራይ ኣረጋጊፁ።
ትግራይ ትስዕር !!
ወታሃደራዊ ኮማንድ ሰራዊት ትግራይ
ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ትግራይ
01 ጥቅምቲ 2014 ዓ/ም
መቐለ