
“ትርጉም ዘለዎ ስጉምቲ ምውሳድ የድሊ” ኣምባሳደር ኣሜሪካ ሊንዳ ቶማስ ግሪን ፊልድ
ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝበፅሕ ዘሎ ግህሰት ሰብኣዊ መሰልን ዓፀቦን ጠጠው ንክብል ቤት ምኽሪ ፀጥታ ውድብ ሕቡራት ትርጉም ዘለዎ ስጉምቲ ኽወስድ ከም ዝግባእ ዘተሓሳሰባ ኣብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣምባሳደር ሊንዳ ቶማስ ግሪን ፊልድ፣ ምምሕዳር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ጥሜትን ፆታዊ ዓመፅን ከም መሳርሒ ኲናት ይጥቀመሉ ከምዘሎ ገሊፀን::
ኣብ ጉዳይ ትግራይ ጠሚቱ ብቤት ምኽሪ ፀጥታ ውድብ ሕቡራት ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ተረኺበን ቅዋም ሃገረን ዝገለፃ ኣምባሳደር ሊንዳ ቶማስ፣ ቕድሚ ሰለስተ ዓመታት ኢትዮጵያ ካብ ኣፍሪካ ቅልጡፍ ቁጠባዊ ዕቤት እተመዝግብን ኣብ ፖለቲካ እወንታዊ ለውጢ እተርኢ ዘላ ሃገር እያ እናበላ ብዓርሰ እምነት ይዛረባ ከምዝነበራን ቅድሚ ሓደ ዓመት ‘ሕጊ ምኽባር’ ብዝብል ዝተጀመረ ወታደራዊ ወፍሪ ኣብዚ ሕዚ እዋን ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው የስዕብ ኣሎ-ቴሌቭዥን ትግራይ ኣብ ድህረ ገፁ ከምዝሓበሮ፡፡
ኣብ ሰላማውያን ሰባት ዘነፃፀረ ከቢድ ሰብኣዊ ግህሰት ከምዝተፈፀመ ዝሓበራ ኣምባሳደር ኣመሪካ ሊንዳ ቶማስ፣ ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ህዝቢ ከይበፅሕ ይገብሩ ንዘለው ኣካላት ጭቡጥ ስጉምቲ ንክውሰድን ምምሕዳር ኣብይ ኣሕመድ ሰራሕተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ምስጓጉ ተቐባልነት ከምዘይብሉን፤ ኣብ ትግራይ ዘጋጠመ ሰብኣዊ ቅልውላው መዕለቢ ንክረክብ ድማ ምስ ውድብ ሕቡራት መንግስታትን ካልኦት ዝምልከቶም ትካላትን ብሓባር ንምስራሕ ኣሜሪካ ድልውቲ ምዃናን ኣብ ኢትዮጵያ ዝቕፅል ዘሎ ኲናት ብዘተ ንክፍታሕ ሃገረን ትፅዕር ከምዘላ ገሊፀን::
ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ትግራይ
መቐለ
27 መስከረም 2014 ዓ/ም