
መልእኽቲ ፕሬዝዳንት መንግስቲ ትግራይ ተጋዳላይ ዶ/ር ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል (24-01-2014 ኣ.ግ)
“ሕዚ’ውን እቲ ቁልፊ ጉዳይ ምሕያልን ምድልዳልን ብሄራዊ ስምረትናን ሓድነትናን ‘ዩ!”
ሰላም!
ንሕና ተጋሩ ናይ ኩሉሻዕ ባህግናን ሓሳብናን ፣ ቁጠባዉን ፖለቲካዉን ሓርነትና ብዘተኣማን ብርኪ ክነውሕስ ፣ ብሄራዊ ክብረትና ክንጎናፀፍን ምስቶም ኣብ ፅቡቅ ብርኪ ምዕባለን ዕብየትን ዝበፅሑ ህዝብታት ክንፅምበርን ‘ዩ።
እንተኾነ ሕማቕ ናይ ታሪኽ ኣጋጣሚ ኮይኑ ፣ ልብና ኣውድቕና ኣብ ብሄራዊ ራእይናን ባህግናን ክንግስግስ ዘኽእል ጥጡሕ ባይታ ኣይተዓደልናን። ጎባጣይን ዓማፅን ባህሪ እኳ እንተዘይሃለውና ፣ ብሰንኪ ውዲትን ሽርሕን ፀላእቲ ኣብ ቀፃሊ ኲናትን ፖለትካዊ ወጥሪን ክንፀመድ ፣ ብሄራዊ ባህግና ከይነሳልጥ ንዘሓለኹናን ከጥፍኡና ንዝህቅኑን ዓመፅቲ ክነወግድ ፣ ክቡር ዋጋ ክንከፍል ተገዲድና ኢና። ስለዝኾነ’ውን ኣብቲ ዝሓለፈ መዋእል ፣ ኣዝዩ ገዚፍ ኪሳራ ክንከፍል’ኳ እንተተገደድና ፣ መሰልናን መንነትናን ግና ኣሕሊፍና ዝሃብናሉ ግዜ ኣይነበረን።
እዚ መንበረ ስልጣን ኣራት ኪሎ ዝተቆናጠጠ ጉጅለ እውን ከምቶም ብቓልስና ዝተፀርጉ ስርዓታት ፣ “እዚ ህዝቢ ‘ዚ እንሃለዎ ሕልሚ ንግስናይ ብኣጋ ክቕህም እዩ” ብምባል ፣ ህዝቢ ትግራይ ንምጥፋእ ምስ ተሓባበርቱ ኮይኑ ኣብ ታሪኽ ተራእዩን ተሰሚዑን ብዘይፈልጥ ኣገባብ ፣ ኩሉ ዝከኣሎ እኳ እንተገበረ ፣ ከም ህዝቢ ኣብ ፅላል መንግስቲና ብምዕሳል ፣ ብተኣምራታዊ ውህደትን ሓድነትን ፀላእቲ ብዝርደኦም ቋንቋ ገጢምና ፣ ብኣንፀባራቒ ታሪኽ ተሰኒና ህላወና ኣረጋግፅና ኢና።
ካብ ሕሉፍ ታሪኽና ከምእንርደኦ ፣ ኣብ ቅድሚ ሓያል ብሄራዊ ስምረትናን ስኒትናን ፣ ጠጠው ክብል ዝኽእል ሓይሊ ኣይነበረን ፣ የለን። ሓድነትና ኣሐይልና ኣብ ብሄራዊ ዕላማናን ባህግናን ዓሲልና ምስ እንወፍር ፣ ዝተበገስናሉ ዕላማ ከይፈፀምና ከምዘይንምለስ ፣ ፈታዊን ፀላኢን ዝፈልጦ ጉዳይ ‘ዩ። ከምኡ ስለዝኾነ እዩ እምበር ፣ ፀላእትና ኣብ ሓድነትና ነቓዕ እንተረኸብና ወይ ከኣ እንተፈጠርና ኢሎም ሃሰው ካብ ምባል ዓዲ ዘይውዕሉ። ሕዚ’ውን ኣብ ሓድነትና ኣበር ንምፍጣር ቀፀልቲ ፃዕሪታት እናተገብሩ ከምዘለው ፈሊጥና ፣ ኩላትና ብዝረቐቐ ኣገባብ ክንከታተል ይግባእ።
ስለዚ ህላወናን ድሕንነትናን ብዘተኣማምን ኣገባብ ንምርግጋፅ ኣብነካይዶ ተጋድሎ ፣ ብሄራዊ ስምረትናን ሓድነትናን ዝያዳ ክነሐይሎን ክንኩስኩሶን ይግባእ። ሕዚ’ውን ንምሕያልን ምድልዳልን ሓድነትናን ስኒትናን ልዑል ቆላሕታ ሂብና ፣ ነቓዕ ንምፍጣር ንዝህቅኑ ኣካላት ከኣ ነብሲ ወከፍ ትግራዋይ ኣምሪሩ ክምክቶምን ኣደብ ክሕዙ ክንገብርን ደጊመ ከዘኻኽር ይፈቱ።
ሕዚ’ውን ህላወናን ድሕንነትናን ብቕልፅምና!
ትግራይ ስዒራ፣መሊኣ’ውን ክትስዕር’ያ!
ሰላም!
Pres. Debretsion Gebremichael